Our Services - ኣገልግሎታትና

ምኽፋት ትካል ኣብ ሽወደን
(Starta eget företag)
ሰራሕተኛ ካብ ምኻን ተገላጊልካ ባዕልኻ ትውንኖ ትካል ምምስራት ሓደ ካብቲ ኣብ ሂወትካ ዓበይቲ ናይ ዕብየት ስጉምትታት እዩ። እንተኾነ ኣብ ሽወደን ትካል ክትተክል ምእንቲ ከተማልኦም ዘልካ ነገራት፣ ክትፈልጦም ዘለካ ሕግታትን ክትክተሎም ዘለካ መሳልልን ኣለው። ስለዚ ትካልኩም ተመዝጊባ ክሳብ ናብ ዕዳጋ ትኣቱ ምኽርናን ሓገዝናን ኣይክፍለየኩምን እዩ።

ሕሳባት ንግብርን ንዲክላረሺንን ዝምልከት
(Revisor)
ኣብ ሽወደን፣ ከም ውልቀ ሰብ ወይ ድማ ከም ትካል ዓመታዊ ኣታዊታትካ ናብ Skatteverket ምሕባር ኣገዳሲ እዩ። ዝገባኣካ ግብሪ ምኽፋል፣ ዝምልከተካ ተመላሲ ግብሪ ድማ ኣብ ጊዚኡን ሰዓቱን ምውሳድ ግቡእ ምክትታልን ጽፉፍ ኣገባብ ናይ ኣታሕዛ ሕሳብን የድሊ። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ እንህቦ ቀንዲ ኣገልግሎታትና ስለዝኾነ ከም revisor መጥን ሕሳባትኩም፣ ኣታዊታትኩም፣ ወጻኢታትኩም፣ መኽሰባትኩምን ናይ moms ዝምልከት ኣድላዩ ምክትታል ብምግባርን ብምምዝጋብን ከም ኣድላይነቱ ጸብጻብ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ንልከልኩም።

ጉዳያት ሚግሬሽን (Migration)
ከም ስደተኛ መጠን ኣብ ሽወደን ክትነብር ኢልካ ካብ ትጅምር ጊዜ ኣብ ነፍስወከፍ መዓልታዊ ሂወትካ ምስ ሚግሬሽን ዝተኣሳሰር ጉዳያት ኣለው። ንኣብነት፣
- ምጥርናፍ ስድራቤት
- ምምልካት ዜግነት
- ምንዋሕ መንበሪ ፍቓድ
- ቀዋሚ ፍቓድ ንምውሳድ
- ብዕድመ ወልድኻን መቕርብካን ናብ ሽወደን ምምጻእ
- ምሕታት ዕቕባ
- መስርሕ ይግባይን ካልእን
ኣብዚ መስርሕ እዚ ንሕና ዘድሊ ፎርምታት ብምምላእን ዘድሊ ዶኩመንታት ካባኹም ብምእካብን ካብ ምምልካት ጀምሪና ክሳብ ውሳኔ ዝወሃብ ዘሎ መስርሕ ነማኽረኩምን ንሕግዘኩምን።

ምድላው ዌብ ሳይት (Hemsida)
ኣብዚ ዘለናዮ ምዕቡል ግዜ ዓለምና ናብ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ እዋን፣ ሃለዋትካ ኣብ ኦንላይን ምርግጋጽ ቀደም መጋየጺ ዝነበረ ሕጂ ግና ኣገዳስን እዋናውን ኮይኑ ኣሎ። ምሉእ ሓበሬታ ብዛዕባ ትካልኩምን ስራሕኩምን፣ ትህብዎ ኣገልግሎትን ትሸጥዎ ንብረትን ብመንገዲ ዌብሳይት ኣቢልኩም ብቐሊሉ ንዓማዊልኩም ክትበጽሕዎም ክትክእሉ ምእንቲ ዌብ ሳይት የድልየኩም። ንበጻሕቲ ምቹእ ዝኾነ ክትጥቀመሉ ቀሊል ዝኾነ ከም ምርጫኹምን ድልየታትኩምን መርበብ ሓበሬታ ነዳልወልኩ።

ሓፈሻዊ ምኽሪ
(Konsultation)
ከም ውልቀሰብ ኮነ ከም ትካል ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሳትኩም ከጋጥመኩም ዝኽእል ዕድላትን ብድሆታትን፣ ምስ ክኢላን በዓል ሞያን ምስ እትማኸርሉ እዩ ተጠቀምቲ ዕድላት ትኾኑን ንሽግራትኩም መፍትሒ ትረኽብሎምን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና። ንህቦም ምኽርታት ካብቲ ብዙሕ እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል፣
- ትካልኩም ኣብ ምምዕባል
- ካብ ስራሕ ደው ምስትብሉ ናይ A-Kassa መሰላትኩም ኣብ ምርካብ
- ትካልኩም ጠፊሻ ናይ ምእዋጅ ጥፍሽና መስርሕ ምስ ቤት/ፍርዲ ኣብ ምክትታል
- ኣብ ዕዳ ኣቲኹም ጉዳይ Kronofogdon ምስዝህልወኩም
- ብሓገዝ Arbetsförmedlingen ስራሕ ክትቁጸሩ ምስትደልዩ
- ዝኾነ ዓይነት ፍቓድ ኣብ ምርካብ ዘሎ መስርሕን
- ካልእን የጠቓልል....

ርክባት ምስ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ሽወደን
ሓደ ሓደ ጊዜ ጉዳይ ይህልወካ እሞ ምስ ኣየናይ በዓል-መዚ ወይ ቤት-ጽሕፈት ሽወደን ኢኻ ተራኺብካ ጉዳይካ ትፍጽሞ ክጨንቀካ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ነቲ ዝደለኻዮ ቤት-ጽሕፈት ምስ ረኸብካዮ ከተማልኦ ዘለካ ቅድዕታትን መስርሕን ብኸመይ ክትሰግሮ ክሕርብተካ ይኽእል ይኽውን። ተወከሱና ኣብ ጉዕዞኹም ከነሳልየኩምን ከንሕግዘኩምን ኢና።
መወከሲታትና
We are in good company.