እንካዕ ብደሓን መጻእኩም
HASEBU Consulting ንውልቀ-ሰባትን ንትካላትን ናይ ሕሳባት ከምኡ'ውን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል እዩ።
ክብርታትና - Our Core Values
ዝምድና ምስ ዓማዊልና
ምስ ዓማዊልና፡ መሻርኽትና፡ ሰራሕተኛታትናን ማሕበረሰብናን ዝተዋፈረ ዝምድናታት ኣብ ምህናጽ ንኣምን። ዕብየትን ዓወትን ቢዝነስና ካብቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፈጠርናዮ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድናን ዓሚቕ ተኣማንነት ዓማዊልnaን ዝተሰረተ እዩ። ጥዕና ዘለዎ ዝምድና ምስ ዓማዊልና ብዝኾነ ይኹን ክትካእ ዘይክእልን ብዝኾነ ነገር ዘይትካእን መሰረታዊ ክብርታትና እዩ። ሃለዋትናን ቀጻልነትናን ብመጠን ዝምድናና ምስ ዓማዊልና ኢና ንዕቅኖ፣ ንሱ ድማ ቴርሞሜተር ናይ ስራሕና እዩ ኢልና ንኣምን።

ተገዳስነት
ንዓማዊልና፡ ኣብ ነንሕድሕድና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትካልና ዝኣተናዮ ቃል ነኽብር። ኣብ ልዕሊ ዓማዊልና ልዑል እምነትን ተገዳስነት ነሕድር። ንስራሕና ብሓላፍነት ወሲድና፣ ትጽቢት ዓማዊልና ንምምላእ ንኣዕጋቢ ውጽኢት ብልዑል ተገዳስነት ንሰርሕ። ዝኣተኻዮ መብጽዓ ኣተግቢርካ ትፍጽሞም ስራሓት መን ምኻንካን ጽፈት ኣገልግሎታትካን ኣጉሊሒ ዘርእይ መነጽር ምኻኑ ብዕምቆት ንርዳእ።

ተኣማንነት
ኣብ ነንሕድሕድናን ምስ ዓማዊልናን ኣብ እንገብሮ ተግባራት ዝለዓለ ደረጃ ሞያዊ ብቕዓት፡ ቅንዕናን ስነ-ስርዓትን ሒዝና ኢና እንመላለስ። እምነት ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነ ድማ ሱር ዝሰደደ ድልዱል ተኣማንነት ዘለዎ ስራሕ ንምስራሕን ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ እምነት ንምጥራይን ተጊህና ንሰርሕ።

ምትሕብባር
ሰባት ንዓወት ከም ዝድርኹ ንፈልጥ ኢና። ከም ትካል ይኹን ምስ ዓማዊልና ብሓባር ንሰርሕ፡ ፍልጠት ንምክፋል፡ ምህዞ ንምዕባይ፡ ጸገማት ንምፍታሕን ጽፈት ዘለዎ ውጽኢት ንምቕራብን ድማ ከይደኸምና ንሰርሕ። ተሓባቢርካ ኩሉ ይብጻሕ። ካብቲ ድምር ናይ ብዙሓት ብውልቂ ዝስራሕ ስራሓት ድምር ብሓባር ተሓባቢካ ትሰርሖ ይዕቡ ምኻኑ ብግብሪ ኣብ ስራሕ ስለዝረኣናዮ፣ ምትሕብባር ሓደ ካብቶም ቀንዲ ክብረታትና ንክኾኑ ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ትግባረ ንኸነውዕሎ ወሲንና ኢና።

ንመጻኢ ነማዕዱ
ናይ ሎሚ ስራሕና ንናይ ጽባሕ ዓወትና ወሳኒ ተራ ይጻወት እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ንሕናን ዓማዊልና ንጽባሕ ክንቅይርን ካብ ሎሚ ዝሓሸትን ዝበለጸትን ንኽንገብራ ነብስና ኣብ ናይ ጽባሕ ሕልምታትና የእቲና ኢና ንሎሚ ክንሪኣ ንፍትን፣ ከመይሲ ንመጻኢ ምምዕዳው ሎሚ እንታይ ክትገብር ኣለካ ብንጹር ንኽትፈልጥን ቅኑዕ ውሳኔ ንኽትውስንን ይሕግዝ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለዘለና እዩ።
