Beslut Debiterad preliminärskatt
ሰላም ንዓኹም ክቡራት ዓማዊልና!
ከምቲ ንመብዛሕትና ድሮ በጹሑና ዘሎ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት Skatteverket ብዛዕባ ናይ 2025 Debiterade preliminärskatt ዝምልከት ብመንገዲ Kivra ወይ brev ናብ ኩሎም ትካላት ልኢኾም ኣለው። እዚ ማለት ግምታዊ ግብሪ ኮይኑ ብመጠን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣታውን ካልእ ነገራትን ኣብ ግምት ብምእታው ወሲኖም ኣለው። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ወርሓዊ ክኽፈል ኣለዎ ተባሂሉ ተወሲኑ ዘሎ ኣዝዩ ልዑል ወይ ድማ ኣዝዩ ትሑት ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ክንሻቐል የብልናን።
ኩነታት ስራሕኩም ከመይ ይመስል ይኸውን ኣብ 2025 ርኢና ከነዕብዮን ከነውሕዶን ከምእንኽእል በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብረኩም ደስ ይብለና። ክሳብ ዜሮ ክኾነልና ኢና ንደሊ ንብል እንተኾይና ክንሓትት መሰል ከምዘለና ውን ኣይንዘንግዕ። እቲ ጽቡቕ ነገሩ ኩነታት ስራሕኩምን ኣታዊታትኩምን ምስ ግዜ ምስ ዝቕየር ኣብ ዝኾነ ጊዜ ንዓና ብምሕባር ክንቅይረልኩም ንኽእል ምኻና እዩ።
ብኽብረትኩም 5 ደቓይቕ ናይ ግዜኹም ወሲድኩም ነዘን ሓጸርቲ ሕቶታት ብምምላስ ክንደይ ክትከፍሉ ዓቕሚ ኣለኩም ሓብሩና። እቶም ድሮ ትማሊ ምሳና ተዘራሪብኩም ዝሓበርኩሙና ን Skatteverket ሓቢርና ኣለና ዝተመሓየሸ ውሳኔ ክመጸኩም እዩ። የቐንየልና HASEBU Consulting