ሓፈሻዊ ሕቶን መልስን ብዛዕባ ትካልናን ኣገልግሎታትናን
HASEBU Consulting ኣብ 2017 ዝተመስረተት ኮይና ንትካላትን ን ውልቀሰባትን ናይ ሕሳብ ኮነ ሓፈሻዊ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ትህብ ትካል እያ። ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ድማ ትርከብ።
ብሓፈሽኡ ኣገልግሎታትና ኣብ ክልተ ዘተኮረ እዩ።
- ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኩለን ዓይነታት ትካላትን ማሕበራትን ናይ ሕሳብ ኣገልግሎት ንህብ።
- ኣብ ሽወደን ምዝጉባት ዝኾና ትካላትን ነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ውልቀሰባትን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ንህብ።
ኣገልግሎትና ንትካላትን ንውልቀሰባትን ኣብ ሽወደን ዝዓለመ እዩ።
- Migrationsverket (ዜግነት, ምጥርናፍ ስድራቤት, መንበሪ ፍቓድ, ዕድመ ንወለድን መቕርብን ካልእ ጉዳያት)
- Skatteverket (ንኹሎም ዓይነት ትካላትን ውልቀሰባትን ዝምልከት ምስ Skatteverket ዝተኣሳሰር ሓገዝ የጠቓልል፣ ምትሓዝ ሕሳባት፣ ምምልካት ግብሪ መንግስትን ምምዝጋብ ፍቓድ ንግድን ትካልን)
- Bolagsverket (ምምዝጋብ ትካል፣ ምምልካት ዓመትዊ ሕሳባት Årsredovisningን ንትካላትን ካልእን)
- Arbetsförmedlingen (ንሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ንህቦ ኣገልግሎት ኮይኑ ከምደላያይ ስራሕን ብሓገዝ ሰራሕተኛ ክትቆጽርን ወይ ክትቁጸርን ዘድሊ መስርሕ ነማኽር)
- Socialstyrelsen (ምስ ሶሻል ጉዳይ ዘለኩም ምስ ናይ ስራሕ ተሓባበርቱና ኮይና ካብ መን ሓገዝ ክትረኽቡ ከምትኽሉ ነምረሓኩም ነራኽበኩምን)
- Transportstyrelsen (ወናኒ ትካል ታክሲ እንተኾንካን ናይ ታክሲ ትካል ምምስራት መደብ እንተለካን ዘድሊ ፍቓድ ንምርካብ ዘሎ መስርሕ ንሕግዝ )
- A- Kassa (ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ጸኒሕኩም ብዝተፈላለይ መኽንያን ካብ ስራሕ እንተተኣሊኹም ክሳብ ስራሕ ትረኽቡ ዝወሃብ ናይ A- Kassa ሓገዝ ብኸመይ ትረኽቡን ተመልክቱን ንሕግዝ)
- CSN (እንዳተመሃርኩም ክትረኽብዎ ዝግበኣጉም ሓገዝ ኣብ ብምርካብ ዘድሊ ሓገዝ ንገብረልኩም)
- Kronofogden (ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዕዳኹም ኣይከፈልኩምን ተባሂልኩም ኣብ ጸሊም መዝገብ ከይትኣትው ምኽሪ ንህብን ንሕግዝን)
- Allmän (ካልእ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘይተጠቕሰ ከከም ኩነታቱ ርኢና ነማኽር)
ክንሕግዘኩም እትደልይዎ ጉዳይ እንተለኩም ብመጀመርታ ኣብ Contact Us ኣቲኹም ዘድሊ ሓበሬታ ብምምላእ ትሰዱልና። ኣገልግሎትና ከምዝኣዘዝኩም ንሕና ድማ ከምዝተቐበልናዮ ዝሕብር ኢሜል ብቕጽበት ክመጸኩም እዩ። ከከም ኣድላይነቱን ጉዳይኩም ርኢና ምሳኹም ብምርኻብ ዘድሊ ሓገዝ ክንገብረልኩም ኢና።
እቲ ዘድሊ ኣገልግሎት ተዋሂቡ ምስ ዓገብኩም፣ መጠን ኣቐዲምና ተሰማማዕናዮ ገንዘብ መኽፈሊ ውሑስ ሊንክ ከም ቅብሊት ክንሰደልኩም ኢና ኣብ ዝጥዕመኩም ክፍሊትኩም ትሰዱልና። ምስ ተቐበልናዮ ድማ ናይ ኢሜል መረጋገጺ ክንሰደልኩም ኢና።
ኣገልግሎትና ከከም ዓይነቱን ዝወስዶ ግዜን ርኢና ክንደይ ይኸፍል ክንሕብረኩም ኢና። እሂን ምሂን ተበሃሂልና መጠን ክፍሊት ምስ ተሰማማዕና እቲ ስራሕ ንጅምሮ።
ሓፈሻዊ ሕቶን መልስን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ዝምልከት
ክንሕግዘኩም እትደልይዎ ጉዳይ እንተለኩም ብመጀመርታ ኣብ Contact Us ኣቲኹም ዘድሊ ሓበሬታ ብምምላእ ትሰዱልና። ኣገልግሎትና ከምዝኣዘዝኩም ንሕና ድማ ከምዝተቐበልናዮ ዝሕብር ኢሜል ብቕጽበት ክመጸኩም እዩ። ከከም ኣድላይነቱን ጉዳይኩም ርኢና ምሳኹም ብምርኻብ ዘድሊ ሓገዝ ክንገብረልኩም ኢና።
ኣገልግሎትና ክትረኽቡ ምስና ዓማዊል ክትኮኑ እንተወሲንኩም ነቲ ናይ ቀደም Revisor ብምርካብ SIE ዝበሃል ፋይል ናብ ኢሜልኩም ከምዝልከልኩም ትገብሩ እሞ ንስኻትኩም ድማ ንዓና ትሰዱልና። ብድርሕሪኡ ምሳኹም ብምርኻብ ናብቲ ዝቕጽል መስርሕ ንሓልፍ።
ኣሰራራሓና ድጂታል ስለዝኾነ ወርሓዊ ናብ ትካልና ወይ ቤትጽሕፈትና እንዳተመላለስኩም ዶኩመንት ምርካብ ኣየድልየኩምን እዩ። ኣብ ሞባይልኩም App ኣሎ ከነውርደልኩም ኢና ኣብ ዝጥዕመኩም ግዜን ቦታን ኮንኩም ስኢልኩም ምስዳድ ጥራይ እዩ ዘድልየኩም። እቲ ስኢልኩም ዝሰደድኩምልና ድማ ብግቡይ ኣብ ገዛኹም ፋይል ጌርኩም ትዕቅብዎ። ብመሰረት ሕጊ ድማ ክሳብ 7 ዓመታት ክዕቀብ ኣለዎ እዩ ዝብል።
ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ወይ ክንዘራረበሉ እትደልይዎ ነገር እንተሎ ብቴሌፎን፣ ኢሜልን ብመንገዲ ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ክትረኽቡና ይከኣል። ንውሕ ዝበለ ዛዕባ ክንዝቲ እንተደኣ ደሊኹም ድማ ኣቐዲምኩም ኣብዚ ሊንክ ኣቲኹም ቆጸራ ብምሓዝ ክትረኽቡና ትኽሉ
ዋጋታትና ኣዝዩ ርትዓዊ ኮይኑ ብመጠን እቲ እንህቦ ኣገልግሎት፣ ዝወስደልና ግዜን ዓይነት ትካልን ይፈላለ እዩ። ዓይነት ትካል ክንብል ኣንከለና Enskild firma, Aktiebolag, Handelsbolag, Förening ማለትና እዩ። ነፍስ ወከፍ ዓይነት ትካል ነናቱ ባህርን ሕግን ስለዘለዎ ብኡ መጠን እቲ ኣገልግሎት ይፈላለ፣ ዋጋታት ድማ ብኡ መጠን።