ንኻልኦት ምስ ኣገልግሎትና ኣላሊኹም ተዓወትቲ ክትኮኑ ትደልዩ ዶ?
ኣገልግሎታትና
ምኽፋት ትካል ኣብ ሽወደን
(Starta eget företag)
ወነንቲ ትካል ክኾኑ ዝደልዩ ሰባት ሕልምም ክሰምረሎምን ኣብ ሽወደን ዝመረጽዎ ዓይነት ትካል ኣብ ምምዝጋብን ፍቓድ ኣብ ምርካብን ንሕግዞም።
ሕሳባት ንግብርን ዲክላረሺንን ዝምልከት (Revisor)
ነቶም ወነንቲ ትካል ዝኾኑ ድማ ጉዳይ ሕሳባትን ዲክላረሽንን ዝምልከት ምሉእ ናይ REVISOR ኣገልግሎታት ንህቦም። ብዝኾነ ምኽንያት REVISOR ናባና ክቕይሩ እንተደልዮም ጽፉፍ መስርሕ ምስግጋር ንገብረሎም።
ምድላው ዌብ ሳይት (Hemsida)
ምሉእ ሓበሬታ ብዛዕባ ትካልኩም፥ ስራሕኩምን ትህብዎ ኣገልግሎትን ትሸጥዎ ንብረትን ብመንገዲ ዌብሳይት ኣቢልኩም ብቐሊሉ ንዓማዊልኩም ክትበጽሕዎም ክትክእሉ ምእንቲ ዌብ ሳይት ነዳልወልኩም።
3 ቀለልቲ ስጉምትታት ንዓወት
1 - ብዛዕባ ሃለዋትናን ኣገልግሎታትና ሓብሩ
ብዛዕባ መን ምዃንና፣ እዘን ሰለስተ ጠቒስናየን ዘለና ኣገልግሎታትናን ሃለዋትናን ነቶም ብቐረባ ትፈልጥዎም ሰብ ትካል ትሕብርዎም።
2 - ንሶም ምሳና ተራኺቦም ናይ ስራሕ ስምምዕ ይፍጽሙ
ብዛዕባና ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ፣ ምሳና ኣራኽብዎም። ብተሌፎን፣ ብኢሜል፣ ብዋትስኣብ ኮነ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታና ክረኽቡና ይኽእሉ። መን ከምዝሓበሮም ድማ ይንገሩና።
3 - ተዓወትቲ ትኾኑ!!
ውዕል ምስቲ ዓሚል ምስ ተፈጸመ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብቲ ዝሓበርኩሙና ቁጽሪ ሕሳብ ሞሳኹም ንኸፍለኩም!!
ሕቶታትኩም መልስታትና!
ኣብዚ ውድድር ንምስታፍ ዝኾነ ቅድመ ኩነት የብሉን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናትና ዓሚል ምኻንኩምን ዘይሙኻንኩምን ውን ኣገዳስነት የብሉን። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ተዓዋቲ ክኽውን ይኽእል ማለት እዩ።
ካባኻትኩም ዝድለ፣ ብዛዕባ መን ምዃንና፣ እዘን ሰለስተ ጠቒስናየን ዘለና ኣገልግሎታት ከምእንህብን ነቶም ብቐረባ ትፈልጥዎም ውልቀ ሰባት ይኹኑ ትካላት ትሕብርዎም። ምሳና ድማ ተራኽብዎም። ምስኣቶም ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ስምምዕ እንተደኣ በጺሕና ብድሕሪኡ ናትና ግደ ይኽውን፣ ከምታ መብጽዓና እተን ዝተዓወትኩመን መጠን ገንዘብ ናብ ሕሳብኩም ንሰደልኩም።
ኣይፋል! እቲ መደብ ከምዚ ይመስል።
- ሓደ ዓሚል እንተደኣ ኣምጺእኩም 2000 ክሮና ትዕወቱ።
- ክልተ ዓማዊል እንተኣምጺኩም 3000 ክሮና ትዕወቱ።
- ሰለስተ ዓማዊል እንተኣምጺእኩም ድማ 5000 ክሮና ተዓወትቲ ትኹኑ።
እዚ ማለት ብዝበዝሐ ክሳብ 3 ዓማዊል ክትሕብሩ ትኽእሉ ማለት እዩ።
ሓፈሻዊ ብዛዕባ ስራሕናን ንህቦም ኣገልግሎታትና ኣብዚ ሊንክ ኣቲኹም ክትረኸብዎ ትኽሉ ኢኹም። ንዝያዳ ሓበሬታ ግና ብ ተሌፎንን ብኢሜልን ምሳና ተራኺብኩም ሰፊሕ መብርሂ ክንህበኩም ንኽእል ኢና።
ልክዕ እዩ ንህቦም ኣገልግሎታት ኣብዘን ዝጠቐስናየን ሰለስተ ኣገልግሎታት ኣይሕጸርን እዩ። እንተኾነ ነዚ ውድድር ተዓዋቲ ንኽትከውን ኣብዘን ሰለስተ ኣገልግሎታትና ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ።