ሰላም!
ኣባና እምነት ብምሕዳር ክንሕግዘኩም ኣገልግሎትና ብምሕታትኩም ልባዊ ምስጋናና ተቐበሉ።
ብምቕጻል ኣቐዲምኩም ነዘን ስዒበን ዘለዋ ነጥብታት ኣንቢብኩም ተረድእወን።
1 - ኣቐዲምኩም ነዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሕቶታት ዝኸውን ሓበሬታን ቅዳሕ ዶኩመንትን ከምዝቐረብኩም ኣረጋግጹ ምኽንያቱ ኩለን ከይተማለኣ ነዛ ፎርም ክትሰድዋ ስለዘይትኽእሉ።
2- እንተደሊኹም ከም ኣማራጺ ነዘን ተሓቲተን ዘለዋ ሓበሬታን ሰነዳትን ነዛ ኢሜል ተጠቂምኩም sweafro@gmail.com ክትልእኩልና ይከኣል እዩ። ጎደሎ ሓበሬታ እንተሰዲድኩም ነቲ ናይ ምምላእ መስርሕ ከደናጉዮ ይኽእል እዩ።
3 - ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዘልዋ ሕቶታት ነቲ መጻምድትኻ ወይ መጻምድትኺ ካብ ካልእ ሃገር ኮይኑ ናብ ሽወደን ክጥርነፍ ኢሉ ዝሓሰብ ዘሎ ሰብኣይኪ ወይ ሰበይትኻ ከምኡውን ውላድኩም (ውላድ እንተለኩም) ዝምልከታ ሕቶታት እየን።
4 - ኣብ መወዳእታ ዘለዋ ሕቶታት ድማ ንዓኻ ወይ ድማ ንዓኺ ኣብ ሽወደን ኮይንካ/ኪ ስበይትኽ/ሰብኣይኪ ክትጥርንፍ/ፊ ትሓሰብ/ቢ ዘለኻ/ኺ ዝምልከታ ሕቶታት እየን።
መልስኹም ምስ በጻሓና ነቲ መስርሕ ምምልካት ቀልጢፍና ንምጅማሩ ደዊልና ቆጸራ ክንሕዘኩም ኢና።
ነቲ ትገብሩልና ምትሕብባር ኣቐዲምና ካብ ልቢ ነመስግነኩም።
የቐንየልና!