STARTA EGET PRESENTATION
ነጻ ሰሚናር ብዛዕባ ምኽፋት ትካል ኣብ ሽወደን ዝምልከት
ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ብቋንቋኹም!
ብመጀመርያ ልባዊ ሰላማታና ይብጻሕኩም።
ኣብ ሽወደን ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ዘጋጥሙና መሰናኽላት ወይ ድማ ክንረኽቦም ዝግበኣና ዕድላት ብሰንኪ ቋንቋ ከምኡውን ሕግታት ሽወደን ብዕምቆት ብዘይምርዳእን ክሓልፈና ከምዝኽእል ኣይጠራጥርን።
ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእን ብቋንቋ ትግርኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ዓረብኛን ሽወደንን ክትሕገዝሉ እትኽእልሉ ዕድል ብትካል HASEBU General Consulting ተኸፊትልኩም ኣሎ እሞ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ከምነማኽር ከነበስረኩም ንፈቱ!
🔹 ጉዳያት ምኽፋት ትካል ኣብ ሽወደን - Enskildfirma, Aktiebolag, Handelsbolag, Förening
🔹ጉዳያት ሚግሬሽን (ምምልካት ዜግነት፣ ምጥርናፍ ስድራቤት፣ ብዕድመ መቕርብካን ኣዝማድካን ናብ ሽወደን ምምጻእ፣ ምንዋሕ ፍቓድ፣ ቀዋሚ ፍቓድ ኣብ ምርካብን ካልእን)
🔹ንሰብ ትካል ድማ ናይ ኣተሓሕዛ ሕሳብን ጉዳይ ዲክላሬሽንን ዝተኣሳሰር ኣገልግሎት (Revisor)
🔹ምድላው ዌብሳይት ወይ መርበብ ሓበሬታ (Hemsida)
🔹 ሓፈሻዊ ምኽሪ ምስ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ሽወደን ዝምልከት ( ጉዳያት A-Kassa፣ Kronofogdon፣ Arbetsförmedlingen፣ försäkringskassan, Skatteverket, Migrationsverket ዝኣመሰሉ)
መን እዩ ከቕርቦ?

የልቦን። እዚ ዝወሃብ ዌቢናር ንኹሉ ዝምልከት ኮይኑ፣ ዝኾነ ኣቐዲምካ ክትፈልጦ ዘለካ ነገር ወይ ድማ ክትዳለወሉ ዘድልየካ ነገር የለን። ብቕልል ዝበለ ኩሎም ጀመርቲ ክርድዎ ብዝኽእሉ ኣገባብ ዝተዳለወ እዩ።
እዚ ዌብናር ብነጻ ኮይኑ ዝኾነ ዝኽፈሎ ነገር የልቦን።
ንዝያዳ ሓበሬታ ብ ኢሜል sweafro@gmail.com ወይ ድማ ኣብዚ ርኸቡና ዝብል ቅጥዒ መሊእኩም ክትረኽቡና ትኽእሉ